ኤርትራ ብምኽፋት እምበር ብምዕጻው ኣይትሰርርን’ያ! መደብ ምስ ሰማርን ተስፋይን
🎙️ New to streaming or looking to level up? Check out StreamYard and get $10 discount! 😍 https://streamyard.com/pal/d/57579608...
ኤርትራ ብምኽፋት እምበር ብምዕጻው ኣይትሰርርን’ያ! መደብ ምስ ሰማርን ተስፋይን
🎙️ New to streaming or looking to level up? Check out StreamYard and get $10 discount! 😍 https://streamyard.com/pal/d/57579608...
(መተሓሳሰቢ፡ እዚ ጽሑፍ ናይ ጽልኢ መጎተ ዘይኮነስ፡ ካብ ባይታ ዝተበገሰ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ትዕዝብቲ እዩ።)
"ኢሳይያስ ንዓሰብ ወይ ንኤርትራ ክከላኸል እዩ" ኢልካ ምሕሳብ፡ ድንቁርና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንልቦናኻ ምጥላምን ነብሰ-ምትላልን እዩ! ታሪኽ ብግሁድ እናመስከረ፡ ክሳብ መዓስ ኢና ዓይንና ዓሚትና ክንነብር?!
ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ምስ መስፍን ሓጎስ ዝነበሮ ዘተ፤ ንቢትወደድ ኣብርሃ ዝሃቦ ንዕቀት ዝመልኦ መልሲ፤ ኣብ ዳሕረዋይ ኲናት ባድመ " ካብ ዓሰብ ኣንሳሕቡ ግደፍዋ!" ዝበሎ፤ ክሳብ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምስ ኣብይ ኣሕመድ ደው ኢሉ ብዘይሕፍረት "ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ንስኻ ምርሓና!" ኣቢ ኣሕመድ "ኣነን ኢሱን ዓሰብ ኢና ንካፈል" ዝበሎ፥ እዚ ኹሉ ልኡላውነት ኤርትራ ዘዋረደሉ ክድዓት እናፈለጥና ‘ገ’ እናበሉኻስ ትጋገ?!" እዩ ነገሩ። ካብ ወዲ ኣስራተ ካሳ፡ ዳዊት ወልደገርግስ ክሳብ ተኣምራት ላይነ፡ ስብሓት ነጋ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እኳ ነዚ ሓቂ’ዚ ብግልጺ ነጊሮምና እዮም።
እቲ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ኣብይ ኣሕመድን ዝነበረ ውዲት ሎሚ መሸፈኒ ስኢኑ ጥራሑ ወጺኡ ኣሎ። ተኣምራት ነገራ "ኢሳይያስ በዓል ውዕለትና እዩ" ክብል ከሎ ብስሕተት ወይ ብዕሽነት ኣይኮነን ነቲ ልኡላውነት ኤርትራ ኣሕሊፉ ዝሃበሎም ታሪኻዊ ክድዓት እዩ ዝምስክር ዘሎ። እቲ "ኤርትራ ኣብ ዘይተርክብዋ ሰቒለ ከጥፍኣ እየ" ዝበሎ ናይ ጥፍኣት መብጽዓ ድማ፡ ሎሚ ኣብ ባይታ ብግብሪ ይትግበር ኣሎ።
ኢሳይያስ ንኤርትራ ብውሽጢ ዘዕኑ ዘሎ ናይ ዘመና ‘ፈረስ ትሮይ’ (Trojan Horse) እዩ! ንሱ ናይ ውሽጢ መጋበርያ ጥፍኣት ደኣ እምበር፡ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ስትራተጅያዊ ናይ ረብሓ ግጭት የብሉን፦
ንመንእሰያት ሃገር ኣባሪሩን ኣምኪኑን፣ ነቶም ሃገር ዘምጽኡ ጀጋኑ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣሲሩን ኣጥፊኡን፡ ብደቀቕቲ ኣገልገልቲ ተኪእዎም፣
ንስንኩላን ኲናት ረሺኑ፡ ንገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤን ህግን ኣሕሲሩ ኣላጊጽሎም፣
ቅዋምን ባይቶን ዘይብላ፡ ብስርዓተ-ኣልቦ እትምራሕ ናይ ጸልማት ሃገር ፈጢሩ።
እንታይ ደኣ ተሪፉና?! ከምቲ ጅግና ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መጽሓፉ ብንጹር ዘስመረሉ፡ እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ወደብን ሃገራውነትን ፕሮፖጋንዳ፡ ህዝቢ ንምድንጋርን ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕን ዝተኣልመ ሸፈጥ ጥራሕ እዩ።
ደቂ ኤረ ንንቃሕ! ካብቲ ዕዉር ኣምልኾ ውልቀ-መላኺን ካብ ናይ ሓሶት ወፈራታትን ወጺእና፡ እቲ ቀዳማይን ቀንድን ጸላኢና መን ምዃኑ ብንጹር ነለሊ። ልኡላውነት ወደብናን ሃገርናን ብሓባራዊ ቅልጽምና ደቀባት ጥራይ እዩ ዝሕሎ።
ፈጣሪ ንኤርትራ ካብ ኢድ ዓመጽቲ ይሰውራ፤ ብዝሓለፈ በደልና ይቕረ ኢሉ የዕርቐና፤ ንብዓት ኣደታትን፡ ኣሓትን፡ ሓዳርን ጠሚቱ ካብ ጥፍኣት የድሕነና!